ሕብረት ኤውሮጳ ንሱዳን 100 ሚልዮን ኤውሮ ክሕግዝ’ዩ

ሕብረት ኤውሮጳ ንሱዳን 100 ሚልዮን ኤውሮ ክሕግዝ’ዩ

Radio Erena: 07 April 2016

EU suda

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመንግስቲ ሱዳን 100 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ክልግስ’ዩ።

እቲ ሕብረት ፣ እዚ ንሱዳን ዝልግሶ መጠን ገንዘብ ኣካል ናይቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝርኣየለና ኤርትራ ንእትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ ክልግሶ ዝተመባጽዖ 1.2 ቢልዮን ኤውሮ’ዩ።

ኮሚሽነር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ልምዓትን ሕብረት ኤውሮጳ ነቨን ሚሚካ፣ ብዛዕባ’ቲ ሓገዝ ብወግዒ ንምዝርራብ ናብ ካርቱም ኣምሪሑ ከምዘለዎ፣ ሕብረት ኤውሮጳ የረጋግጽ።

 

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንዘለወን ዕልቕልቖ ስደተኛታት ንምግታእ ምስተን ዜጋተተን ብብዝሒ ናብ ስደት ዝውህዙ ዘለው ሃገራት ዝተፈላለየ ስምምዓት ኣብ ምኽታም’ዩ ዝርከብ።

ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ባህርን ስርዓትን ናይቶም መንግስታት ብዘይየገድስ፣ ነተን ሃገራት ኣብ ምንካይ ድኽነት፣ ትምህርቲ፣ ጥዕናን ጸዓትን ዝኣመሰሉ ጽልታታት ንምሕጋጽ’ዩ ናይ 1.2 ቢልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ሰሊዑ።

እዚ ልምዓታዊ ሓገዝ ከኣ፣ ኣብዘን ሃገራት ናይ ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ንመንእሰያት ካብ ስደት ከድሕኖም ይክእል’ዩ ዝብል እምነት’ዩ ዘለዎ እቲ ሕብረት።

ይኹን’ምበር ኣብ ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ኣውራ ጠንቂ ስደት ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ወትሃደራዊ ኣገልግሎትን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምዃኑ ይፍለጥ።

ኤርትራ ካብዚ ሕብረት ኤውሮጳ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝሰልዖ ናይ 1.2 ቢልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ እቲ ዝበዝሐ’ዩ ተለጊሱላ።

እቲ ሕብረት ንኤርትራ ዝለገሶ 200 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ፣ ካብ ኣባላት ፓርላማን ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታትን ኤውሮጳ ተቓውሞ ይገጥሞ ኣሎ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0