ሕብረት ኤውሮጳ ንሕብረት ኣፍሪቃ 120 ሚልዮን ኤውሮ ለጊሱ

Radio Erena: 23 March 2017

EU Africa

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ምውሓሰ ጸጥታን ሰላምን ዝውዕል ናይ 120 ሚልዮ ኤውሮ ሓገዝ ንሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝለገሰ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ነዚ ዘፍለጠ፣ ብምክትል ፕረዚደንት ሕብረት ኤውሮጳ ፈደሪካ ሞገሪኒን ኮሚሽነር ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ምትሕግጋዝን ነቨን ሚሚካን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ናብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ብ17 መጋቢት ድሕሪ ዘካየዶ ወግዓዊ ምብጻሕ’ዩ።

ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ተለጊሱ ዘሎ ሓገዝ፣ ኣብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሰላም ምዕቓብ ተልእኾ (ኣሚሶም) ክውዕል ምዃኑ ተሓቢሩ።

 ብዘይኣበርክቶ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሶማል ናብዚ ሕጂ እትርእዮ ዘላ ተስፋ ክትበጽሕ ኣይምኸኣለትን ክትብል’ውን ምክትል ፕረዚንት ሕብረት ኤውሮጳ ፈደሪካ ሞገሪኒ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጻ።

ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ኣብ 2007 ክላብ ዝፈለመሉ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሕብረት ኤውሮጳ 1.3 ቢልዮን ዶላር ለጊስሉ ምልጋሱ ጸብጻባት እቲ ሕብረት የመልክቱ።

መበል 5 ስሩዕ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2017 ኣብ፣ ናይጀርያ ከተማ ቡጃ ንምትእንጋዱ ምድላዋት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ እቲ ሕብረት ኣብ ኣፍሪቃ ሰላምን ጸጥታን ንምርግጋጽ ፊናንስያዊ ሓገዝ ዘበርክት ዘሎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0