ኣዲስ ኣበባ፣ ዋሕዲ ነዳዲ ሻቕሎት ፈጢሩ

Radio Erena: 23 March 2017

Addis fuel

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ዋሕዲ ነዳዲ፣ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

መራሕቲ መካይን፣ ቤንዚንን ናፍታን ንምርካብ ኣብ መዕደሊ ነቑጣታት ንሓያሎ ሰዓታት ተሰሪዖም ምርኣይ ንቡር ኮይኑ ከምዘሎ’ውን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

እዚ ኣብታ ከተማ ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ነዳዲ፣ ንወነንቲ ታክስን ሚኒባሳትን’ውን ጸልዩ ብምህላዉ፣ ኣብ ተጓዓዝቲ ምክልባት ፈጢሩ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ጠንቒ’ዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራእዩ ዘሎ ዋሕዲ ነዳዲ ብንጹር እኳ ክፍለጥ እንተዘይክኣለ፣ ብሰንኪ ናይ ምምሕዳር ጉድለት ምዃኑ’ዩ ዝንገር ዘሎ።

 መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብታ ሃገር እኹል ነዳዲ ከምዘሎ’ዩ ዘመልክት።

እንተኾነ፣ ብሰንኪ ናይ ምምሕዳር ጉድለት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ርኡይ ጸገም ፈጢሩ ከምዘሎ መርበባት ሓበሬታ ካብታ ከተማ ይጠቕሳ።

 

ስእሊ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0