ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኤርትራ እትሳተፎ ዋዕላ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ይውድብ

Radio Erena: 08 May 2019

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኤርትራ እትሳተፎ ዋዕላ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከካይድ ወዲቡ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ኣብ ንግዲ፣ ጸዓትን መጓዓዝያን ዘተኮረ ዋዕላ፣ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ ቁጠባዊ ምውህሃድ ዘሰጋግር መደባት ከጣጥሕ ከምዘኽእል’ዩ ተሓቢሩ።

እቲ ዋዕላ ብምትሕብባር ሕብረት ኤውሮጳ፣ ባንክ ዓለምን መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ’ዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ።

ኣብዚ ዋዕላ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ሶማልያን ኬንያን ክሳተፋ ትጽቢት ይግበር።

ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ዋዕላ ንምምዳብ ካብ ዝደረኾ ኣውራ ምኽንያት ሓደ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተጀመረ ርክብ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታቱ ይጠቕሱ።

እቲ ሕብረት ኣቐዲሙ፣ ካብ ወደብ ዓሰብ ናብ ኢትዮጵያ ዘእቱ ጽርግያ ንምጽጋን ናይ 20 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ምስልዑ ይዝከር።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Habte Ghebre 5 years ago

    ኢሂ’ሞ! ክትሳተፍ ኣይግብኣን ወይክኣ የብላን ዲዩ?