ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ሓድሽ እማመ ክዝትየሉ’ዩ

Radio Erena: 24 September 2020

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ንዝቐረበ ሓድሽ እማመ ክዝትየሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ፣ ነቲ ኣብ 2015 ኣብ ግብሪ ዝወዓለ፣ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ንብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ብኮታ ክመቓርሐኦ ዘገድድ ንድፊ፣ ብምእላይ ብዕቱብ ዝስርሓሉ ካልእ ኣገባብ ከተኣታቱን ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ ሕብረት፣ ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘተኮረ ሓድሽ እማመ ናብ ዘተ ክቐርብ ኣብ ዝብል ነጥቢ ዝተሰማምዐ፣ ኣብ ግሪኽ፣ ደሴት ሌዝቦስ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ባርዕ ድሕሪ ምግጣሙ ዝተላዕለ ሕቶ’ዩ።

ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 123 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ’ዮም ተመዝጊቦም።

ኣብ 2015፣ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣስታት 1 ሚልዮን ምብጽሑ ኣይርሳዕን።

ብዝሒ ሓተቲ ዑቅባ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናጎደለ እኳ ይመጽእ እንተሎ፣ ፖለቲካዊ ዛዕባ ካብ ምዃን ግና ደው ኣይበለን።

ጀርመን፣ ስጳኛን ፈረንሳን፣ እተን ዝበዝሐ ስደተኛታት ዝቕበላ ሃገራት እዚ ሕብረት እኳ እንተኾና፣ ብባሕሪ ዝውሕዙ ንዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ ብብዝሒ ዝዕቆቡለን ዘለዉ ግና ግሪኽን ኢጣልያን ምዃነን’ዩ ዝግለጽ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0