ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሰራዊት ወጻኢ ሃገራት ክስሕብ ደጊሙ ጸዊዑ

Radio Erena: 16 May 2022

ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሰራዊት ወጻኢ ሃገር ክስሕብ ሕብረት ኤውሮጳ ደጊሙ ከምዝጸውዐ፣ ወኪል ናይቲ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሮላንድ ኮብያ ኣፍሊጡ።

ንሱ ብ14 ግንቢት፣ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ዝጸውዐ፣ ፍሉይቲ ልእኽቲ ናይቲ ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣነት ዌበር ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ኢትዮያ ዑደት ብምክያድ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ፣ ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ዝገበርቶ ርክብ ምዃና ገሊጹ።

ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበረቶ ርክብ፣ እቲ ሕብረት ኣብ ጉዳይ ትግራይ ካብ ፈለምኡ ሒዝዎም ዘሎ፣- ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይገደብ ክኣቱ፣ ምቁራጽ ተጻብኦታትን ምስሓብ ሰራዊት ወጻኢ ሃገራትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፈጸሙ ድማ ክሕተቱን ኣብ ዝብል ሰለስተ ነጥብታት እያ ኣተኵራ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሰራዊት ወጻኢ ሃገራት ዝብሎ ዘሎ፣ ንሰራዊት ኤርትራ ምዃኑ ይግመት።

ኣምባሳደር ኮብያ፣ ኣብቲ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ብተወሳኺ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ 27 ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ድማ ብፍላይ ክዝትዩ ምዃኖም ኣሚቱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0