ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ስምምዕን ህሉው ኩነታትን ብዝምልከት ዘትዩ

Radio Erena: 24 January 2023

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ስምምዕን ህሉው ኩነታትን ዝገምገመ ዘተ ምክያዱ ተሓቢሩ።

እቲ ዘተ ዝተኻየደ፣ ትማሊ ሰኑይ 23 ጥሪ፣ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝተጋብአ ኣኼባ ባይቶ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ናይቲ ሕብረት ‘ዩ።

ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካየዳ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳን ጀርመንን፣ ጸብጻብ ዑደተን ኣብቲ ዋዕላ ምቕራቡ’ውን ዲፕሎማሰኛታት ሓቢሮም።

እተን ሚኒስተራት፣ ኣብቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየድኦ ዑደት፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺበን፣ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ከምዝድግፋ ብምግላጽ፣ ብኵናት ንዝዓነወ ትካላት ዳግም ኣብ ምህናጽ ክህሉ ዝኽእል ናይ ምወላ መደባት ብዝምልከት ተዘራሪበን።

እቲ ብላዕለዋይ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጆሴፍ ቦረል ተመሪሑ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ብዘይካ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ቅናት ሳሕለ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃን ህሉው ጸጥታዊ ኩነታተን፣ ከምኡ ድማ ኣብ ዛዕባታት ዩክሬይን፣ ኢራን፣ ኣርመንያን፣ ኣፍጋኒስታን ብዝምልከት ‘ውን ተመያይጡ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0