ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ቱርኪ ናብ ሱዳን በጺሑ

Radio Erena: 24 January 2023

ብሓላፊ ሃገራዊት ድሕነትን ጸጥታን፣ ሃካን ፊዳን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ቱርኪ፣ ናብ ሱዳን ምስጢራዊ ምብጻሕ ምክያዱ ተሓቢሩ።

እቲ ሓላፊ ስለያ ቱርኪ፣ ናብ ሱዳን ዝበጽሓሉ ዕላማ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፣ ሰበ ስልጣን ስርዓት በሺር ነበር ኣብ ቱርኪ ዑቕባ ንኽወሃቦም ባይታ ንምጥጣሕ ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ግምታቶም ሂቦም።

ንሱ፣ ናብ ሱዳን ዝበጽሕ ዘሎ፣ ክልተ ቅነ ድሕሪ ዑደት ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ግብጺ፣ ዓባስ ካማል ናብ ካርቱም’ዩ።

‘ሕውነት ኣስላም ወይ ‘ሙስሊም ብራዘርሁድ’ ንዝተባህለ ኣህጉራዊ ውዳባ ከምእትድግፍ እትውቀስ ቱርኪ፣ ምስ ስርዓት በሺር ጥቡቕ ዝምድና ከምዝነበራ ኣይርሳዕን።

ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ምስ ቱርክ ዝጸንሐ ርክባት ጠቕሊሉ እኳ እንተዘይበተኾ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ብልፍንቲ ክመርሑ ትጽቢት ዝግበረሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ግና ነታ ደጋፊት ስርዓት በሺር ዝነበረት ሃገር ሕጂ’ውን ብስግኣት ‘ዮም ዝጥምትዋ።

ቱርኪ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ሱዳን ዘለዋ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ዝግመት ናይ ሕርሻ ወፍሪ፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፣ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምቛም ምስ ስርዓት በሺር ኣብ ስምምዕ በጺሓ ምንባራ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ስርዓት በሺርን መንግስቲ ቱርኪን፣ ብጉልባብ ‘ሕውነት ኣስላም’ ወይ ሙስሊም ብራዘርሁድ፣ ውዲታት ይኣልምሉ ምንባሮም፣ ኣብ ዝዝርግሖ ዝነበረ መግለጺታት ይወቕስ ምንባሩ ይዝከር።

ሃካን ፊዳን፣ ድሕሪ’ቲ ብ20 ጥሪ ኣብ ሱዳን ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ናብ ሊብያ ብምስጋር ምስቲ ብቱርኪ ዝድገፍ መንግስቲ፣ ምስጢራዊ ምይይጥ ምክያዱ መርበባት ዜና እቲ ዞባ ኣቃሊሐን።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0