ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ንምልጋስ ዘረጋገጸሉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብር ስለዝተመባጽዐ ምዃኑ ተገሊጹ

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ንምልጋስ ዘረጋገጸሉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብር ስለዝተመባጽዐ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 16 December 2015

EU mimica

ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ክልግሰሉ ምዃኑ ዘረጋገጾ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብር ኣትይዎ ምስ ዘሎ መብጻዓ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ሕብረት፣ ሰሊዕዎ ዘሎ፣ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ ናይ 200 ሚልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ፣ ትግባረ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ’ውን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እዚ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ትግባሬኡ ተሰናኺሉ ዝጸንሐ ልምዓታዊ ሓገዝ ክወሃብ ምዃኑ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ብራስለስ እኳ እንተረጋገጸ፣ ብመሰረት እቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣትዩዎ ዘሎ ውዕላት ምክትታል ክገብረሉ ምዃኑ’ዩ ዘመልክት።

 

ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ሰሊዕዎ ዘሎ ልምዓታዊ ሓገዝ፣ ገለ ክፋሉ ኣብ ጸዓት፣ ምንካይ ድኽነት፣ ምስፋሕ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከድህብ እንከሎ እቲ ካልእ ክፋሉ ከኣ ኣብ ምሕደራ መንግስቲ ብፍላይ ኣብ ምርግጋጽ ሰብኣዊ መሰላት ዘተኮረ’ዩ።

ሰብኣዊ መሰላት ኩነታት ኤርትራ ዕቱብ መርመራ ከይተገብረሉ እቲ ልምዓታዊ ሓገዝ ንኸይወሃብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊተደጋጋሚ መጸዋዕታ ከቕርቡ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ ሕብረት’ውን ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ’ቲ ኣውራ ጠንቂ ስደት ምዃኑ ዝግለጽ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብቀጻሊ ክዘራረብ ጸኒሑ’ዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ ብሰንኪ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ተሰኒኹሉ ዝጸንሐ ልምዓታዊ ሓገዝ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 2015 ውሳኔ ክህበሉ ምዃኑ ኣቐዲሙ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ብመሰረት እቲ ብዓርቢ 11 ካብ ብራስለስ ዝወጸ መግለጺ ከኣ፣ እቲ ንተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ተቓወምቲ ውድባት፣ ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ኤርትራን ከዘራርብ ዝጸንሐ ልምዓታዊ ሓገዝ ክወሃብ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0