ቻይና ብብዝሒ ኣሲራቶም ዘላ ጋዜጣኛታት ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ

ቻይና ብብዝሒ ኣሲራቶም ዘላ ጋዜጣኛታት ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ

Radio Erena: 16 December 2015

CPJ

ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ኮሚተ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት ብዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ኣብ ዓመተ 2015 ቻይና ኣሲራቶም ናይ ዘላ ጋዜጠኛታት ብዝሒ 49 ምዃኑ’ዩ።

ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ብብዝሒ ዝቐየደቶም ጋዜጠኛታት ቀዳማይ ደረጃ ምሓዛ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ናይ ዝተኣስሩ ብዝሒ ጋዜጠኛታት ምስ ናይ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ፣ ብመጠኑ ከምዝጎደለ ዘመልከተ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣብ ግብጽን ቱርኪን ግና በንጻሩ እቲ ቁጽሪ ዛይዱ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ዓለም ብድምር 199 ተኣሲሮም ኣለዉ።

 

ኤርትራ፣ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ፣ ንሽዱሽተ ዓመታት ዝተኣውስሩ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ክትፈትሕ እኳ እንተኸኣለት፣ ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣብ ቀይዱ ዝርከቡ ኣስታት 15 ጋዜጠኛታት ግና ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።

ብደረጃ ዓለም ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቀዳሚ ቦታ ሒዘን ዝርከባ፣ ቻይና፣ ኢራን፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣዘርባዥያን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሶርያን ቬትናምን’የን።

ብናጽነት ፕረስ ከኣ ዝሓተተ ደረጃ ሒዘን ካብ ዘለዋ ሃገራት፣ ነዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ቀዳሚ ቦታ ሒዘ እትርከብ ኤርትራ’ያ።

======================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0