ሕብረት ኣፍሪቃ መበል 26 ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣካይዱ

ሕብረት ኣፍሪቃ መበል 26 ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣካይዱ

Radio Erena: 01 February 2016

Muga Deb

ፕረዚደንት ቻድ እድሪስ ደቢ፣ እዋናዊ ኣቦ መንበሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ።

ፕረዚደንት እድሪስ ደቢ ንፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ ብምትካእ’ዩ ንሕብረት ኣፍሪቃ ንሓደ ዓመት ብኣቦ መንበርነት ንምምራሕ’ዩ ነቲ ሓላፍነት ተረኪቡ።

“ደምበ ውልቀ መለኽቲ” እናተባህለ ዝግለጽ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ 30ን 31ን ጥሪ ኣብ ዘካየዶ መበል 26 ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ኣባላት ናይቲ ሕብረት’ዩ፣ ንፕረዚደንት ሙጋበ ብፕረዚደንት እድሪስ ደቢ ተኪእዎ።

 

እቲ ፕረዚደንት፣ ነቲ ሓላፍነት ድሕሪ ምርካቡ፣ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዘሎ ኵናትን ምጉስቛልን እንተስ ብሓይሊ እንተስ ብዲፕሎማሲ ከብቕዕ ኣለዎ ክብል’ዩ ገሊጹ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ- ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፣ መሰል ደቂ ሰብ ብፍላይ ከኣ መሰል ደቂንስትዮ’ዩ ከም ኣውራ ቴማ ሒዙዎ።

እንተኾነ፣ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ቅድሚ መሰል ደቂ ሰብ ጉዳይ ስልጣኖም ስለዘቐድሙ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ መሰል ደቂ ሰብ ከም ኣርእስቲ ክጸሓፍ ደኣ’ምበር፣ ብግብሪ ዝኽበር ከምዘይኮነ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ መበል 26 ስሩዕ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ልዕሊ 20 መራሕቲ ሃገራት፣ ኣስታት 50 ሚኒስተራት ጉድያት ወጻኢ፣ ዲፕሎማሰኛታትን ተረኺቦም ኔሮም።

ኣባል’ዚ ሕብረት ዝኾነት ኤርትራ’ውን፣ ኣብዚ ዋዕላ’ዚ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከብ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ሕብረት ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ኣቢላ ተሳቲፋ ኣላ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0