ኣብ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፊራ ዝነበረት ናይ ግብጺ ጃልባ ንኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ማይ ጥሒላ

ኣብ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፊራ ዝነበረት ናይ ግብጺ ጃልባ ንኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ማይ ጥሒላ

Radio Erena: 01 February 2016

Eg B

ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝተዋፈረት ናይ ግብጺ ጃልባ ንኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ማይ፣ ብቀዳም 30 ጥሪ 2016 ከምዝጠሓለት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሓቢሩ።

ኣል ኣሕራም ኣቕሪብዎ ብዘሎ ጸብጻብ መሰረት፣ ኣብ መበል 26 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ነታ 14 ገፍፍቲ ዓሳ ጽዒና ዝጠሓለት ጃልባ ንምድሓን ሓይሊ ባሕሪ ግብጺ ብህጹጽ ኣብቲ ክሊ ማይ ክዋፈር ኣዘዙ።

ሱዳን ብዘካየደቶ ጻዕሪ 2 ግብጻውያን ገፍፍቲ ዓሳ ከተድሕን እንከላ ናይቶም ዝተረፉ 12 ግና ዛጊት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

 

ኤምባሲ ግብጺ ኣብ ሱዳን፣ ኣብ ፖርት ሱዳን ብዝርከብ ወኪሉ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቲ ሓደጋ ምጥሓል ዘጋጠመሉ ክሊ ማይ ንኤርትራን ሱዳንን ዘዋስን ብምዃኑ፣ ሓደ ሓደ ካብቶም ዝጠሓሉ ግብጻውያን ናብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ኣንሳፊፎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲ ግብጺ’ውን ብዛዕባ’ዚ ካብ ወገን ኤርትራ ሓበሬታ ንምርካብ ይሰርሕ ምህላዉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣፍሊጡ።

እታ 14 ግብጻውያን ሒዛ ኣብ ክሊ ማይ ኤርትራን ሱዳንን ጥሒላ ዘላ ጃልባ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፊራ ከምዝነበረት’ዩ ዝጥቐስ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ኣብ’ቲ ንሱዳንን ኤርትራን ዘዋስን ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፊሮም ዝጸንሑ ግብጻውያን ብሓይሊ ባሕሪ ሱዳን ከምዝተታሕዙ ኣይርሳዕን።

=========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0