ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ኩነታት ንምፍታሕ ሓገዙ ከበርክት ድሉው ከምዘሎ ገሊጹ

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ኩነታት ንምፍታሕ ሓገዙ ከበርክት ድሉው ከምዘሎ ገሊጹ

Radio Erena: 18 March 2018

 Au commisionerሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ኩነታት ንምፍታሕ ሓገዙ ከበርክት ድሉው ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው እዋናዊ መፍትሒ ኣብ ምርካብ ምሉእ ምትሕብባር ክገብር ከምዝኾነ ኮሚሽነር’ቲ ውድብ ሙሳ ማሃመት ገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን መንግስቲ’ታ ሃገር ዝኣወጆ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋን ብኸቢድ ጸልዩዎ ከምዘሎ ዝንገረሉ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ከባቢ 2 ሽሕ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ደሚርካ ሓያሎ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን እኳ እንተለዉ፣ በዚ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላውን መፍትሒታቱን ብዙሕ ክዛረቡ ኣይረኣዩን ክብሉ’ዮም ምንጭታት ዝገልጹ።

ብፍላይ ምእዋጅ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ፣ ብተደጋጋሚ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት ስለዘስዓበ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ኣብታ ሃገር ዘለዉ ኤምባሲታትን ዕንቅፋት ስራሕ ኮይኑዎም ከምዘሎ ይግለጽ።

ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣቱ ኣጽዋር እንዳ ገነነ ይመጽእ ኣሎ ክብል ንህዝቡ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።

ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ኣሰፋ ኣቢዩ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ፣ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ዝተታሕዘ ኣማኢት ኣጽዋር ከምዘሎ ሓቢሩ። ዕላማ’ቲ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣብታ ሃገር ድሮ ተፈጢሩ ንዘሎ ቅልውላው ንምጉህሃር’ዩ ክብል’ውን እቲ ኮሚሽነር ገሊጹ።

ካብ ለካቲት 16 ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዘሎ ወተሃደራዊ እዚ ነዚ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክኣቱ ዝተታሕዘ ኣጽዋር ኣብ ምቁጽጻር ዕዉት ስራሕ ከምዝሰርሐ ዝሓበረ፣ እቲ ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ፣ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዘለዎም’ዮም ብድሕሪ’ቲ ምስግጋር ኣጽዋር ዘለዉ ወገናት ክብል ከሲሱ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0