ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ምርጫ ጅቡቲ ተዓዘብቲ ኣዋፊሩ

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ምርጫ ጅቡቲ ተዓዘብቲ ኣዋፊሩ

Radio Erena: 21 February 2018

Mussa Faki

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ጅብቲ ኣብ ዝካየድ ባይቶኣዊ ምርጫ 38 ተዓዘብቲ ከምዘዋፈረ ኣፍሊጡ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሓመድ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ነበር ኣኒሰ ጆርጅ ደሎግለ ነቲ ናብ ጅቡቲ ዝዋፈር ተዓዛቢ ጉጅለ ክምረሕ ከምዝመዘዞ መግለጺ እቲ ሕብረት ገሊጹ።

እቶም ኣምባሳደራትን ካልእ ጽፍሕታትን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለዎም 38 ተዓዘብቲ፣ ካብ 22 ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወከሉ’ዮም።

ባይቶኣዊ ምርጫ ጅቡቲ ዓርቢ 23 ለካቲት ክካየድ’ዩ።

ተዓዛቢ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ጸብጻቡ ብዛዕባ’ቲ ምርጫ ን26 ለካቲት ንኣቦ መንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት ከቕርብ’ዩ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ዝካየድ ባይቶኣዊ ምርጫ ጅቡቲ፣ ኣብ 2013 ኣብ ስልጣን ዝርከብ ዓብላሊ ሰልፊ ን55 ካብቲ65 ሓፈሻዊ መናብር ባይቶ ከምዝተዓወተ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ 10 መናብር ጥራይ ዝርኸቡ ተቓወምቲ ሰልፍታት፣ ኣብቲ ምርጫ ምድንጋር ከምዝነበረ ብምጥቃስ፣ ብውሕዱ 31 መናብር ይግብኣኒ’ዩ ብምባል ፣ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ነጺጎሞ።

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝካየድ ምርጫ ተመሳሳሊ ፍጻሜ ከየጋጥም ካብ ዝብል እምነት፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ንሕብረት ኣፍሪቃ ተዓዛቢ ጉጅለ ክልእኽ ብዘቕረቦ ምሕጽንታ’ዩ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ወኪሉ ዝልእኽ ዘሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0