ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ወሪዱዎ

Radio Erena: 13 March 2023

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ወሪዱዎ።

ዘ ሪፖርተር ንምንጭታቱ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እቲ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ካብ ዕለት 3 መጋቢት ዝጀመረ ኮይኑ፣ ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ፣ ልዕሊ 200 ኮምፕዩተራትን ተክኖሎጂካዊ መሳርሒታትን ተጠቒዖም ኣለዉ።

ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ፣ ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ክረኽቡ ዘይከኣሉ ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ወጻኢ ካብ ስራሕ እውን ኢመይል ክልእኩን ክቕበሉን ይጽገሙ ምህላዎም ይገልጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ሳይበር ምስ ተለለየ፣ ኣገልግሎት ኢንተርነት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ብኡ ንብኡ ከምዝዕጸው ተገይሩ፣ ዝበዝሐ ዳታ ወይ ደኩመንታት ከኣ ናብ ውሑስ መዐቀቢ ተሰጋጊሩ ከምዘሎ፣ ሰብ ሞያ ተክኒክ’ቲ ሕብረት ሓቢሮም።

እንተኾነ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ወጻኢ ዝመጸ ድዩ ወይስ ካብ ውሽጢ’ቲ ቤት ጽሕፈት፣ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የሎን።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ’ቲ ገና ዘይዓረፈ ብሄር ዝመንቀሊኡ ግጭት፣ ማሕበራዊ ሜድያ የጎሃህሮ ኣሎ ብምባል፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ተጠቃምነት ኢንተርነት ከምዝጎድል ምግባሩ ይዝከር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0