ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ትካላዊ ጽገናታት ንምክያድ ዘትዩ

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ትካላዊ ጽገናታት ንምክያድ ዘትዩ

Radio Erena: 07 November 2018

Mussa Faki

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ትካላዊ ጽገናታት ንምክያድ ኣብ ዘኽእሎ ጉዳያት ዘትዩ።

እቲ ሕብረት፣ ብ5ን 6ን ሕዳር፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቀዋሚ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘካይዶ መበል 11 ፍሉው ዋዕላ’ዩ ነዚ ዘትዩሉ።

ኮሚተ ቀወምቲ ተወከልቲ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ስልጣን ላዕለዋይ መሪሕነት ኮሚሽን እቲ ሕብረት፣ ምምራጽ ላዕለዋይ መሪሕነት ኮሚሽንን፣ ምምሕዳራውን ፊናንስያውን ኣብ ዝብሉ ናይ ጽገና ኣርእስታት ተመያይጦም።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሓመት ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ምስርሕ ጽገና ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ 2017 ካብ ዝብገስ ንደሓር፣ ኣብ ትግባረኡ ጽቡቕ ገስጋስ የርኢ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ጽገናዊ ለውጥታት ዘበግሰ፣ ጠለብ ኣባላት ሃገራትን ህዝብታተን ንምምላእ ምዃኑ እቲ ኣቦ መንበር ኣዘኻኺሩ።

=======================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0