ኤርትራ ዝመበቆሉ ዮሴፍ ንጉሰ፣ ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ኮይኑ ተመሪጹ

ኤርትራ ዝመበቆሉ ዮሴፍ ንጉሰ፣ ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ኮይኑ ተመሪጹ

Radio Erena: 07 Novermebr 2018

Yosef Nguse

ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ማእከላይ ግዜ ምርጫ ኣባላት ባይቶ፣ ንሰልፊ ደሞክራትስ ብምውካል ኣብ ኮሎራዶ፣ ካልኣይ ዲስትሪክት ዝተወዳደረ ኤርትራ ዝመበቆሉ ዮሴፍ ንጉሰ፣ ተመሪጹ።

ኣብ ኣመሪክ ዝተወልደ፣ ወዲ 34 ዓመት ዮሴፍ ንጉሰ፣ ኣብ ታሪኽ ኮሎራዶ ናይ ፈለማ ጸሊም ኣባል ባይቶ ወይ ኮንግረስ ኮይኑ ዝተምርጸ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብዕድመ’ውን ካብቶም ዝነኣሱ ኣባላት’ዩ።

ንሱ ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ስደተኛታት ኮይኑ ናብ ኣመሪካ ዝመጹ ስድራቤቱ፣ ዝገበርሉ ምህብሓብን ናብዚ ደረጃ ንኽበጽሕ ዝገበርሉ ጻዕርን ምትሕግጋዝን ኣመስጊኑ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሚነሶታ’ውን ሶማል ዝመበቖላ ኣመሪካዊት ኢልሓን ዑመር፣ ንደሞክራትስ ብምውካል ኣባል ባይቶ ወይ ኮንግረስ ኮይና ተመሪጻ።

36 ዓመት ዝዕድሚኣ ኢልሓን ዑመር፣ ናይ ፈለማ ጓለነስተይትን ኣመኒት ምስልምናን ኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ ኣላ።

Ilhan Omar

ንሳ’ውን ከም ዮሴፍ ንጉሰ፣ ብስደት ናብ ኣመሪካ ካብ ዝኣተዉ ሶማላውያን ስድራቤት’ያ ተወሊዳ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0