ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ቁጽሪ ኣብ ሶማልያ ናይ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ከጉድል እዩ

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ቁጽሪ ኣብ ሶማልያ ናይ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ከጉድል እዩ

Radio Erena: 15 April 2018

amisonሕብረት ኣፍሪቃ፣ ቁጽሪ ናይቲ ኣብ ሶማል ዓስኪሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ዝጎድለሉ መደብ ከምዝሓንጸጸ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ትማሊ ቀዳም 14 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ ብመሰረት ባይቶ ጸጥታ ኣብ 2017 ዝኣተዎ መብጽዓ፣ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ቁጽሩ በብቁሩብ እንዳጉደለ ንሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሶማልያ ከረክብ ንዝብል ስምምዕ ተግባራውነቱ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣቐድም ኣቢሉ ተመሳሳሊ ፈተነ ተኻዪዱ’ኳ እንተነበረ፣ ትካላት ጸጥታ መንግስቲ ሶማል ብግቡእ ስለዘይቆማን፣ ካብ ኣልሸባብ ንዝመጽእ መጥቃዕቲ ውሕስነት ሰላም ክህባ ብዘይምኽኣለንን፣ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብታ ሃገር ዘለዎ ህላዌ ክናዋሕ ከምዝተገብረ ይዝከር።

ኣብ 2020 ዓመተ ምህረት ጸጥታን ምርግጋእን ሶማል ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ሶማል ክኸውን ተሓንጺጹ ንዘሎ መደብ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ስክፍታ ከምዘለወን ይገልጻ።

ከምዝፍለጥ ኣብ ሶማል ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ካብ ብሩንዲ፣ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲን ኬንያን ዝተዋጸአ ሰራዊት ኮይኑ፣ ንደቡብን ማእከላይን ሶማል ኣብ ዝሽፍን ሽዱሽተ ንቑጣታት ዝዓስከረ’ዩ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0