ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ግብረ መልሲ ናይቲ ካብ ሑቲ ዝተፈነወላ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ፣ ኣብ ሰንዓ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዳ

Radio Erena: 19 January 2022

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ሑቲ ዝፈነወላ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ፣ ኣብ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣካይዳ።

በቲ ብሰኑይ 17 ጥሪ ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ብውሕዱ 11 ሰባት ከምዝተቐትሉ ንሰራሕተኛታት ሕክምና ብምጥቃስ ኣልጀዚራ ሓቢራ።

ነፈርቲ ውግእ፣ ኣብ ከተማ ሰንዓ፣ ሰለማዊ ህዝቢ ኣብ ዝነበረሉ ህንጻታት ቦንባታት ከምዘዝነባ ዝሓበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻክር፣ ኣብ ፍርስራስ ናይቲ ዝዓነወ ኣባይቲ ዝተደፍኑ ክህልዉ ከምዝኽእሉ ኣመልኪቶም።

ሑቲ፣ ብሰኑይ 17 ጥሪ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዘካየዶ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ፣ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ክቐትል እንከሎ፣ ኣብታ መሻርኽቲ ስዑዲ ብምዃን ኣብ ኵናት የመን ተጸሚዳ እትርከብ ሃገር፣ ስንባደ ከምዝፈጠረ ‘ዩ ተገሊጹ።

ንዝበዝሐ ስትራቴጃዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ከባቢታትን ገማግም ቀይሕ ባሕርን የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ፣ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ’ውን ተደጋጋሚ ናይ ድሮንን ሚሳይላትን መጥቃዕታት ምክያዱ ኣይርሳዕን።

ብፍላይ ኣብ 8 መጋቢት 2021፣ ዒላታት ነዳዲ ኣብ ዝርከበሉ ከባቢታት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘካየዶ መጥዕቲ፣ ንፍርያት ነዳዲ እታ ሃገር ንመዓልታት ከምዘሰናኸለ ይዝከር።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0