ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ በርበራ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ትሃንጽ

Radio Erena: 23 April 2018

Berbera

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ወደብ በርበራ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ትሃንጽ ከምዘላ ወትሃደራውያን ምንጭታት ኣንፊቶም።

እታ ሃገር፣ ነቲ ኣብ የመን፣ ከባቢ ባብ ኤልመንደብ ዝሃነጸቶ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ብምሕዳግ ኣብ ከባቢ በርበራ ሓድሽ መዓስከር ተስፍሕ ዘላ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብ መወዳእታ 2016 ዝሃነጸቶ መዓስከር ገዲፋ ናብ በርበራ ትሰጋገረሉ ዘላ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

ንወደባትን መዓርፎ ነፈርቲን ኤርትራ’ውን ናብ የመን ዝቐንዐ ስርሒታት ክትግልገለሉ ዝጸንሐት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ በርበራ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ትሃጽ ዘላ፣ ነቲ ናይ ኤርትራ ንነዊሕ ክትሕዞ መደብ ከምዘይብላ ዝእንፍት’ዩ ክብሉ ተንተንቲ የረድኡ።

እንተኾነ እታ ሃገር፣ ምስ ርእስ አምምሕዳር ሶማሊላንድ ድሕሪ ዝኸተመቶ ዝተፈላለየ ስምምዓት፣ ኣብ ከባቢ ወደብ በርበራ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ ክትብገስ እንከላ ጎኒ ኦኑ ድማ ብመንገዲ DP world ናይ ዱባይ ኣቢላ ንወደብ በርበራ ከተመሓድር ምስ ኢትዮጵያን መንግስቲ ናይታ ርእሰ ምምሕዳርን ብርክታት ከምዝተማቐለት ይፍለጥ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስ መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ወትህድራውይን ቁጠባውን ስምምዓት ምኽታማ፣ ንሉኣላውነት ሶማል ዝግህስ’ዩ ክብል ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ናብ ባይቶ ጸጥታ ክሲ ኣቕሪቡ ይርከብ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብዘይካ’ዚ ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሶማል ከተእቱ ብምፍታና፣ ምስ መንግስቲ ሶማል ዝጸንሓ ምትፍናን ጥርዚ ዓሪጉ ኣሎ።

ከም ግብረ መልሲ ናይዚ ኢማራት ኣብ ሶማል ዝነበራ ወትሃደራውን ሰብኣውን ሓገዛት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዛ ደው ኣቢላ።

====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0