ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሱዳናውያን ብገንዘብ እናዓሰበት ንየመንን ሊብያን ትልእኽ ከምዘላ ተገሊጹ

Radio Erena: 28 January 2020

ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንብዙሓት ሱዳናውያን ብገነዘብ እናዓሰብ ኣብ ኵናት የመንን ሊብያን የዋፍር ኣሎ ብዝብል ኣንጻሩ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቶም 10ታት ዝኾኑ ሱዳናውያን፣ ብ26 ጥሪ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ፣ ብኢማራት ዝካየድ ብላክ ሺልድ ዝተባህለ ትካል ኣገልግሎታት ጸጥታ ኣብ ሱዳን ዘለዎ ንጥፈታት ደው ከብል ጸዊዖም።

እቲ ናይ ኢማራት ትካል፣ ንዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ብወለንትኦም ኣብ ናይ ሓለዋ ስራሕ ንዝዋፈሩ ሱዳናውያን ክቖጽር ምጽንሑ እኳ እንተተኣመነ፣ ናብ ኵናት ብዛዕባ ምውፋሮም ግና ክሒድዎ’ዩ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ የመን ተዋፊሩ ዝነበረ ሰራዊቱ ካብ 15 ሽሕ ናብ ኣስታት 600 ከምዘውረዶ እኳ እንተገለጸ፣ ሕቡራት ኢማራት ብናይ ጸጥታ ትካላታ ብውልቂ ዝዓሰበቶም ኣማኢት ሱዳናውያን ናብ የመንን ሊብያን ተዋፍር ከምዘላ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0