ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሶማል ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ኣካዪዳ

Radio Erena: 27 August 2021

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሶማል ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ኣካዪዳ።
ማእከላይ እዚ ምብራቕ ኣፍሪቃ’ታ ሃገር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ጆ ባይደን ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጥራይ እዚ መጥቃዕቲ’ዚ ንሳልሳይ እዋን እዩ ተኻዪዱ። ከምዝፍለጥ ዶናልድ ትራፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሰራዊቱ ጠቕሊሉ ካብ ሶማል ክወጽእ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ እዩ።
እዚ ብሰሉስ 25 ነሓሰ ኣብ ማእከላይ ዞባ ሶማል ከምዝተኻየደ ዝግለጽ ዘሎ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፣ ካብ ኬንያ ወይ ከኣ ጂቡቲ ዝተኻየደ ምዃኑ ወተሃደራውያን ምንጭታት ይገልጹ።
ኣብታ መጥቃዕቲ ዝተኻየደላ ከተማ ኣማራ፣ ገና ኣብ መንጎ ብዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝድገፍ ሰራዊት ሶማልን ኣልሸባብን ገና ውግእ ይካየድ ብምህላዉ፣ ጽጹይ ጸብጻብ ክቐርብ ኣሸጋሪ ምዃኑ እቲ መግለጺ ጠቒሱ። ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ግና ሰበስልጣን ሶማል ሓቢሮም።
ኣዘዝቲ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኖም፣ ንጉጅለ ኣልሸባብ ካብ ከተማ ኣማራ ምሉእ ብምሉእ ጸሪጎም ከምዘውጽእዎ ሓቢሮም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ከተማ ጋልካዮ፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ። ኣብቲ ብሰሉስ 25 ነሓሰ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ህዝቢ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝቐንዐ ጭርሖታት ብምስማዕ ናብ ጎደናታት ወጺኡ።
ነበርቲ ከተማ ጋልካዮ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ከተምኦም ኣብ ትሕቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ርኡይ ምዕባለን ምርግጋእን ከምዘምጸአት ብምጥቃስ፣ ኣብቲ ከባቢ ጽዑቕ መጥቃዕታት ንዘካዪድ ዘሎ ኣልሸባብ ኮኒኖም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0