ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝርከቡ ዜጋታታ መጠንቀቕታ ዘርጊሓ

Radio Erena: 29 August 2021

ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝርከቡ ዜጋታታ መጠንቀቕታ ዘርጊሓ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘውጸኦ መጠንቀቕታ፣ ኣብዚ ዝቕጽል መዓልታት ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ህዝባዊ ኣብያ፣ ግጭት ከልዕልን፣ ኣብ መንጎ ኣኽበርቲ ጸጥታን ሰልፈኛታትን ረጽሚ ክፍጠር ዓቢ ተኽእሎ ስለዘሎን፣ ዜጋታቱ ምንቅስቓሳቶም ክቑጥቡ ጸዊዑ።
ኣቐድም ኣቢሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ፣ ንኣባላቱ ኣመሓላሊፉ እዩ።
እዚ ብሲቪካውያን ማሕበራት ተጸዊዑ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ደቡብ ሱዳን፣ ብሰላም ክካየድን ሰልፈኛታት ከኣ ጎነጽ ካብ ምርኣይ ክቑጠቡን ሓበሬታ ይወሃብ እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ’ታ ሃገር እቲ ሰልፊ ከይካየድ ኣጊዱዎ ስለዘሎ፣ ሓይልታት ጸጥታ ብጎነጽ ክብትንዎ ክፍትኑ እዮም ዝብል ስግኣት ሰፊኑ ይርከብ።
ኣመሪካ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ19፣ ገበን፣ ምጭዋይ ወጻእተኛታትን ግጭት ሓድሕድን፣ ዜጋታታ ናብ ደቡብ ሱዳን ከይገሹ ከተጠንቅቕ ጸኒሓ’ያ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0