ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንግብጺ እትልግሰላ ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ከተብል ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: Monday, 31 July 2023

11 ሰኔተራት ኣመሪካ ናብ ጸሓፊ ጉዳያት’ታ ሃገር ኣብ ዝለኣኹዎ ወግዓዊ ደብዳቤ፤ ምምሕዳር ኣል ሲሲ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዘርኣዮ ድኽመት፤ ናብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ደረጃ በጺሑ ኣሎ ብምባል፤ እታ ሃገር ካብ ኣመሪካ እትረኽቦ ሓለፋ፤ ደው ክብል ኣብቲ ብዓርቢ 28 ሓምለ ዝለኣኹዎ ደብዳቤ ጸዊዖም።

ኣመሪካ፤ ንወተሃደራዊ መዓላ ዝኸውን፤ ዓመታዊ 1.3 ቢልዮን ዶላር ፋይናንስያዊ ሓገዝ ንግብጺ ትልግስ።

መንግስቲ ግብጺ፤ ብሓይልታት ጸጥታ ዝግበር ምግሃስ መሰላት ካብ ምርማር ምብኳሩ ጥራይ ከይኣክል፤ ንገዛእ ርእሱ ብዝተወደበ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዓመጽ የካይድ ኣሎ ክብሉ እዮም እቶም ኣርቀቕቲ ሕጊ ዝኸሱ።

ብዘይ ሕግን ፍርድን ማእሰርቲ፤ መግረፍቲ፤ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ እሱራት፤ ምስዋርን ዝኣመሰሉን ምግሃስ መሰላት ኣብ ግብጺ ኣስፋሕፊሑ ከምዘሎ፤ ተጣበቕቲ መሰላት ከተሓሳስቡ ጸኒሖም እዮም።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ኣብ 2013 ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር፤ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ክቕይድ እንከሎ፤ ኩሉ ዓይነት ንተቓውሞ ዝዕድም ምትእኽኻባት ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል ከልኪሉዎ እዩ።

መንግስቲ ግብጺ፤ ‘ናይ ፖለቲካ እሱራት የብልናን’ ብምባል ክቐርበሉ ንዝጸንሐ ክስታት ናይ ኣሉታ ምላሽ እዩ ክህበሉ ጸኒሑ።

ልዕሊ 20 ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት እውን ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፤ ኣመሪካ ንግብጺ ካብ እትልግሶ ወተሃደራዊ ሓገዝ፤ ብውሑዱ፤ ብ320 ሚልዮን ዶላር ከተጉድሎ ጸዊዖም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0