ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት  (UNDP) ሓዳስ ወኪሉ ኣብ ኤርትራ መዚዙ

ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት (UNDP) ሓዳስ ወኪሉ ኣብ ኤርትራ መዚዙ

Radio Erena: 26 July 2017

Susan Ngongi

ካሜሮናዊት ሱዛን ንጎንጊ፣ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት (UNDP) ኣብ ኤርትራ ኮይና ተመዚዛ።

እዛ ዳይረክተር ሕቡራት ሃገራት ማዕከን ቆልዑ ( UNICEF )ኣብ ጋናን ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃን ኮይና ክትሰርሕ ዝጸንሐት ካሜሩናዊት፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ካብ ኤርትራ ንዝተፋነወት ርዋንዳዊት ክርስትያን ኡሙቶኒ ብምትካእ’ያ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት ኮይና ንዝቕጽል ዓመታት ከተገልግል ተመዚዛ ዘላ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ናይ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላራ ዝተፈላለየ ፕሮጀክታት ኣብ ኤርትራ ዘሰላሰለ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት፣ ካብ 2017 ክሳብ 2021 ንዘሎ ዓመታት’ውን ኣብ ኣብ ጉዳይ መንእሰያት፣ ስደት፣ ኣድልዎ ጾታን ሰብኣዊ መሰላትን ብምትኳር ሓድስቲ ፕሮጀክታት ሓንጺጹ ምህላዉ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝፈጸመ ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ጆን ጊንግ ምግላጹ ይዝከር።

ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት፣ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ሓገዝቲ ሃገራትን ውድባትን ብዝተለገሰ ገንዘብ፣ ኣብ ጥዕና፣ ቀረብ ዝስተ ማይ፣ ትምህርትን ካልእን ዘድሃበ መደባት ይሰላሰል እኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ነቲ ናይ ልምዓት መደባት ባዕሉ ከምዘዓመሞ’ዩ ንህዝቢ ዝሕብር።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0