ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ፕሮጀክታት ኣበጊሱ

Radio Erena: 25 January 2022

24 ኣባላት ዝሓቖፈ፣ ላዕለዋይ ዞባዊ ወኪል ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዑደት የካይድ ከምዘሎ፣ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ብ24 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓለፍቲ ፕሮግራም ልምዓት፣ ኮሚሽነራት ሰብኣዊ መሰላትን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዘጠቓለለ፣ ዞባዊ ወኪል ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኤርትራ ካብ 2022 ክሳብ 2026 ዝጸንሕ፣ ጽላታት ሕርሻን ጸዓትን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ፕሮጀክታት ንምብጋስ ምስ ወኪል መንግስቲ ስምምዕ ክኽትም ምዃኑ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣነጺሩ።

ዞባዊ ወኪል ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ሚኒስተራት፣ ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራን ክራኸበን፣ መንደፈራ፣ ድባርዋን ዓረዛን ክበጽሕ’ዩ።

ብፍላይ ዓረዛ፣ ብምትሕብባር ሕቡራት ሃገራት ሰፊሕ ናይ ጸሓያዊ ጸዓት ፕሮጀክት ዝተተግበረሉ ከባቢ ምዃኑ ይፍለጥ።

ዑደት ዞባዊ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ፣ ኣካል ናይቲ፣ ኣብ 2030 ውሑስ ምዕባለ ናይ ምርግጋጽ ሸቶ ዝትግበር ዘሎ ፕሮጀክታት ናይ ምክትታልን ምቕጻልን መስርሕ ምዃኑ፣ ነቲ ጉጅለ ዝመርሐ፣ ዳይረክተር ዞባዊ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት፣ ያቖብ ኤል ሒሎ ገሊጹ።

ስእሊ፦ UN Eritrea

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0