ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ፣ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 11 ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 26 January 2022

ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ፣ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብምጥሓላ፣ ብውሕዱ 11 ሰባት ከምዝሞቱ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ጓል 10 ዓመት ቆልዓ’ያ።

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ፣ ብ21 ጥሪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ዛጊት ናይ ኣርባዕተ ሰባት ሬሳ ከውጽእ ክኢሉ ኣሎ።

እታ ኣብ ከባቢ፣ ደሴታት ከርከና ዝጠሓለት ጃልባ 32ስደተኛታት ጽዒና ምንባራ ክፍለጥ እኳ እንተኸኣለ፣ መንነቶምን ግና ዛጊት ኣይተነጸረን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም 43 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፣ ኣብ ገማግም ባህሪ ቱዚዝያ ከምዝጠሓለት ኣይርሳዕን።

ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመተ 2021፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ቱኒዝያን ግብጺን ተበጊሶም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታው ዝሓለኑ ኣስታት 2500 ስደተኛታት፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ጸብጻብ UNHCR የመልክት።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0