ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ ክበጽሕ ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 10 August 2021

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት-UNHCR፣ ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራ፣ ክበጽሕ ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ካብ 13 ሓምለ ኣትሒዙ፣ ምስ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲሓሩሽን ዝነበሮ ርክባት ከምዝተቛጸ ‘ዩ ገሊጹ።

ብ10 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መገግለጺ፣ ካብ 5 ነሓሰ ኣትሒዙ፣ ኣብ 12 ዓበይቲ መካይን ዝተጻዕነ፣ ንኣስታት 23 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ኤርትራ፣ ህጹጽ መሰረታዊ ሓገዛት ከብጽሕ ከምዝኸኣለ ኣረጋጊጹ።

ይኹን’ምበር እቲ ኩነታት ሕጂ’ውን ተኣፋፊ ስለዘሎ፣ ቀረባት ብብስሩዕ ክውሕስ እንተዘይክኢሉ፣ እቶም ስደተኛታት ንስእነት መግብን ማይን ዝተቓልዑ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

UNHCR ብተወሳኺ፣ እቶም ኣብዚ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራ፣ ናብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ከባቢ ከተማ ዳባት ዝተደኮነ መዓስከር ኣለምዋጭ ንምግዓዞም፣ ውሑስ መንገዲታት ክፍጠር፣ ኩሎም ወገናት ክተሓባበሩ ተማሕጺኑ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኵናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ፣ ካብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ትግራይ ሃዲሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ንዝኣተዉ ስደተኛታት ኤርትራ፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር፣ ናይ ሰለስተ ዓመት መንበሪ ፍቓድ ከምዝተዋህቦምን መሰረታዊ ሓገዛትን ድማ ይግበረሎም ከምዘሎን ከምዘሎ UNHCR ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0