ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ክልል ትግራይ ዝልእኮ ሰብኣዊ ሓገዛት ወደባት ኤርትራ ክጥቀም ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 07 December 2020

ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ክልል ትግራይ ዝልእኮ ሰብኣዊ ሓገዛት ወደባት ኤርትራ ንኽጥቀም ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ንራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝበጽሖ ስምምዓት፣ ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ ሰራዊት ንዝርከብ ከባቢታት ትግራይ፣ ህጹጽ ናይ መግቢን ሕክምናን ሓገዛት ዝበጽሓሉ መንገድታት ኣብ ምዝታይ’ዩ ዝርከብ።

ኣቀዲሙ ሕቡራት ሃገራት ብዘቕረቦ ጻውዒት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብቲ ክልል ህጹጽ ሓገዝ ክኣቱ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ዝዝከር’ዩ።

ይኹን’ምበር ብዛዕባ ኣተገባብርኡ ይኹን ዝጅምረሉ ዕለት ዝርዝራዊ ሓበሬታ የለን።

ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ግና፣ ሓደ ካብቲ ከም ኣውራ ኣማራጺታት ተወሲዱ ዘሎ መንገዲ፣ ወደባት ኤርትራ’ዩ።

ብፍላይ ወደብ ባጽዕ፣ ናብቲ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተቖጻጺርዎ ዝርከብ ሰሜናዊ ክፋል ትግራይ፣ ረዲኤት ንምብጽጻሕ ዝመችአን ዝቐረበን ምዃኑ ዘዘኻኸረ እቲ ዲፕሎማሰኛ፣ ብዛዕባ ኣተገባብርኡ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ሕቡራት ሃገራት ዝርርብ ከምዝጀመረ ጠቒሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ 4 ሕዳር ኣትሒዙ ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ዝወልዖ ኵናት፣ ናይ ዝሞቱንዝ ቖሰሉን ሰባት ብዝሒ ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ልዕሊ 2 ሚልዮን ቆልዑ ዝርከብዎም፣ ነበርቲ እቲ ክልል ግና ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልዮም ተመልኪቱ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ’ውን፣ ኣብ መዓስከራት ክልል ትግራይ ዝነበሩ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ካብቶም ቀንዲ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ ይርከብ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0