“ሓድሽ ናቕፋ ምሕታም ዘድለየ፣ ንጸሊም ዕዳጋን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ንምርካብ’ዩ፣”  ሚ/ፋይናንስ ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያም

“ሓድሽ ናቕፋ ምሕታም ዘድለየ፣ ንጸሊም ዕዳጋን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ንምርካብ’ዩ፣” ሚ/ፋይናንስ ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያም

Radio Erena: 29 February 2016

Berhane

መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓድሽ ናቕፋ ከሕትም ዝደለየሉ ምኽንያት፣ ንጸሊም ዕዳጋን ኣብ ከም በዓል ሱዳን ዝኣመሰላ ሃገራት ንዝርከቡ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ንምርካብ ምዃኑ ሚኒስተር ፋይናንስ ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያም ኣፍሊጡ።

ኣቶ ብርሃነ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዘካየድኦ ቃል መጠይቅ፣ ምዝርጋሕ እቲ ሓድሽ ናቕፋ ብዝልዓለ ምስጢር ተታሒዙ ከምዝጸንሐ ብምጥቃስ፣ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙን ክቅየር ከምዝተወሰነ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ፣ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ፣ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ጠቕሊሉ ደው ከብሎ ዘይክእል እኳ እንተኾነ፣ “ጽልዋ ከምዝህልዎ ግና ርግጸኛ’የ” ኢሉ።

 

ብመንገዲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ምስግጋር ኤርትውያን ናብ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ብዝርከቡ ኣሰጋገርቲ ዝካየድ ኮይኑ፣ ገሊኡ ብናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ክኽፈል እንከሎ ገሊኡ ከኣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብናቕፋ ከምዝኽፈል ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ምስግጋር ኤርትራውያን ናብ ስደት፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣባላት ጸጥጥታን ዲፕሎማሰኛታትን መንግስቲ ኤርትራ ከምዝሳተፉ ብሰፊሑ ይፍለጥ።

ሃንደበታዊ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ፣ ነዞም ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ኣማኢት ሚልዮናት ናቕፋ ኣብ ኢዶም ሒዞም ዝርከቡ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ደላሎን ክጸሉ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፣ ብክኢላታት ዘይተጸንዐ ካልእ ቁጠባዊ ሳዕቤን ከኸትል ከምዝኽእል’ዩ ዝንገር።

ድሕሪ ምቅያር ባጤራ ናቕፋ፣ መንግስቲ ንባጤራ ተቖጻጺሩ ኣብ ዕዳጋ ከምዝውሕድ ጌርዎ ብምህላዉ፣ መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራትን መጠን ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ጸሊም ዕዳጋን ብኣስታት ፍርቂ ጎዲሉ ኣሎ።

ይኹን’ምበርል ህዝቢ፣ ካብ መሰረታዊ ነገራት ሓሊፉ ዘድልዮ ነገራት ክሽመት ይኹን ማሕበራዊ ጉዳያቱ ከሰላስል ተጸጊሙ ይርከብ።

ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከንቁልቁል ዝጸንሐ ቁጠባ ኤርትራን ተዳኹሙ ዘሎ ዓቕሚ ባጤራ ናቕፋን ምስ ምስፋሕ ዕደና ኣብ ኤርትራ ክመዓራረ ይኽእል’ዩ ዝብል ትንታነታት ይወሃቦ እኳ እንተኾነ፣ ዘይግሉጽ ኣታሕዛ ኣታዊታት ዕደናንን መንግስቲ ኤርትራ ንተቓወምቲ ጎረባብቲ ሃገራት ምስ ዘባኽኖ ዘሎ ወጻኢታትን ግና ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ዝኾነ ለውጢ ከምጽእ ትጽቢት ኣይግበረሉን።

ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያም፣ ወሰኽ ደሞዝ ተጌሩ ምህላዉ ብምሕባር፣ ናይቶም 1400 ናቕፋ ዝነበረ ደሞዞም ናብ 4000 ሽሕ ናቕፋ ዓሪጉ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ኣውራ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን፣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፍጸም ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ናይ ጉልበት ምዝመዛን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብምዃኑ፣ ወሰኽ ደሞዝን ምቕያር ባጤራ ናቕፋን ጥራይ ንዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ደው ከምዘብሎ ከምዘይኮይነ ግና ዝተፈላለዩ ወገናት ይሰማምዑ።

ዝበዝሑ ወገናት ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ብዘጋጥሞም ዘሎ ድፍኢት’ዩ ክብሉ እንከለዉ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ግና ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ንኤርትራውያን ዝህብኦም ዘለዋ ናይ ዑቕባ ሓለፋ ናብ ስደት ይውሕዙ ምህላዎም’ዩ ዝጠቕስ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0