ኣብ ከባቢ ሑመራ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣባላት ፈደራላዊ ፖሊስ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከምዝሰገሩ ይግለጽ ኣሎ

ኣብ ከባቢ ሑመራ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣባላት ፈደራላዊ ፖሊስ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከምዝሰገሩ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 29 February 2016

federal

ኢትዮጵያ፣ “ኣብ ክልል ኦሮምያ ተጓሃሂሩ ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢ ብሰንኪ ምትእትታው መንግስቲ ኤርትራ’ዩ፣” ኢላ ኣብ እትኸሰሉ ዘላ እዋን፣ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፈደራላዊ ፖሊስ እታ ሃገር ብመንገዲ ሑመራ ናብ ኤርትራ ከምዝሰገሩ ይግለጽ ኣሎ።

እቶም ብሓደ ተለንተ ተመሪሖም ናብ ኤርትራ ከምዝሰገሩ ዝተገልጹ ኣባላት ፈደራላዊ ፖሊስ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከባቢ ሑመራ ኣብ ሓለዋ ተዋፊሮም ዝነበሩ’ዮም።

ብዛዕባ’ዞም ምስ ምሉእ ዕጥቖም ናብ ኤርትራ ሰጊሮም ዝብሃል ዘሎ ኣባላት ፈደራል ፖሊስ፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ይኹን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይተዋህበሉን።

 

ኣቐዲሙ’ውን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዕደና ተዋፍሮም ዝነበሩ ሓያሎ ሰባት ብተቓወምቲ ሓይልታት ተገፊፎም ናብ ኤርትራ ከምዝሰገሩን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ከኣ ብመንገዲ ሱዳን ክልቀቑ ምዃኖምን ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ በብእዋኑ ብመንገዲ ሑመራ ናብ ኤርትራ ብምስጋር ምስ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ውድባት ክጽንበሩ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣቦ መንበር ናይቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ዝኾነ ደምህት ልዕሊ 100 ምስ ዝኾኑ ኣባላቱ ምስ ምሉእ ዕጥቖም ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ኣይርሳዕን።

ተቓወምቲ ሓድሕድ ኣብ ምድጋፍ ተጸሚዶም ዝርከቡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ውሽጦም ንዝረአ ድኻማት ናብ ካልእ ንምጥምዛዝ ንሓድሕዶም ከምዝጠቓቐኑ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ክልል ኦሮምያ ተጓሃሂሩ ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢ፣ ኢዱ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከወጣውጥ እንከሎ፣ ኤርትራ ከኣ እቲ መንግስቲ ካብ ውሽጣዊ ጸገማቱ ንምምህዳም ወትሩ ዝኽተሎ ጠቐነ’ዩ ክትብል መሊሳትሉ ኣላ።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ተጓሃሂሩ ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢ፣ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናልሓመ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብዚ ተቓውሞ ኢዶም ንዝሕውሱ ናይ ግዳም ሓይልታት ዘየዳግም ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ መግለጺ ምሃቡ ኣይርሳዕን።

ናይ መሰልን ፖለቲካን ሕቶታት ዘለዓዓዓለ ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝልዓለ ጥርዙ በጺሑ ይርከብ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ተቓውሞ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝድገፉ ከም ግንራብ ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ዝኣመሰሉ ሓይልታት ዝደፋፍእዎ’ዩ ክብል’ዩ ዝገልጾ ዘሎ።

ተቓወምቲ ኦሮሞ ከኣ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ኦሮምያ ተጎሃሂሩ ዘሎ ናዕቢ ንመንግስቲ ኤርትራ ምውቃሱ፣ ንውሽጣዊ ጉዳይ ናብ ካልእ መኣዝን ንምጥምዛዝ ዝመሃዞ ጠቐነ’ዩ ክብሉ ይነጽግዎ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0