ሓድሽ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክዘራረብ ከምዝደሊ ገሊጹ

ሓድሽ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክዘራረብ ከምዝደሊ ገሊጹ

Radio Erena: 02 April 2018

Ethiopia new PM

ሎሚ ሰኑይ 2 ሚያዝያ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ቃለ መሓላ ዝፈጸመ ዶ/ር ኣብዩ ኣሕመድ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘሎ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ቅሩብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ብቴሌቪዥን ሃገሩ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ብወገኑ ተመሳሳሊ ቅርቡነት ከርኢ ጸዊዑ።

ይኹን’ምበር፣ “ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከይወጸ ዝኾነ ምዝርራብ የለን” ኣብ ዝብል መርገጺ ጸኒዑ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝቐረበ ጻውዒት እወታዊ ምላሽ ክህበሉ ከምዘይኮነ ይግመት።

ዶ/ር ኣብዩ ኣሕመድ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ 180 ኣባላት ባይቶ ኢህወደግ ናይ 108 ናይ ደገፍ ድምጺ ብምርካብ ኣቦ መንበር ናይቲ ኣርባዕተ ውድባት ብምሕቋፍ ን27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ግንባር ክኸውን ከምዝኸኣለ ይዝከር።

ኣብ ባይቶ ኢትዮጵያ’ውን ዓብላሊ መናብር ዘለዎ ኢህወደግ፣ ሎሚ ሰኑይ 2 ሚያዝያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ዶ/ር ኣብዩ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ንኽከውን ደገፉ ሂብዎ።

ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣቶ ሃይለማርያም ደሰላኝ ብወግዒ ተረኪቡ።

ብመሰረት ቅዋም ኢትዮጵያ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር’ዩ ዝምረጽ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0