ሓደ ካብ ኣካየደቲ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ፣ ንመሓዛ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ሆላምንዳዊት ፕሮፌሰር ሚርያም ቫን ረይሰን ከሲሱ

ሓደ ካብ ኣካየደቲ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ፣ ንመሓዛ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ሆላምንዳዊት ፕሮፌሰር ሚርያም ቫን ረይሰን ከሲሱ

Radio Erena: 29 January 2016

Mir mes

መሓዛ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾነት ሆላንዳዊ ፕሮፌሰር ሚሪያም ቫን ረይሰን፣ መሰረት ባህልቢ ብዝተባህለ ሓደ ካብ ኣካየድቲ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ ተኸሲሳ።

መሰረት ባህልቢ ነታ ሆላንዳዊ ዘቕረበላ ክሲ፣ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪታ ምስ ሓንቲ ካብ ሬድዮታት እታ ሃገር ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ ስመይ ኣጸሊማቶ ብዝብል’ዩ።

እቲ ብስም ጸለመ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፣ “መሰረት ባህልቢ ከም ሓደ ካብ ኣካያደቲ መንእሰያት ህግደፍ ኮይኑ፣ ኣብ ሆላንድ ካብ ዝንበሩ ኤርትራውያን ሓበሬታ እናኣከበ ናብ መንግስቲ ኤርትራ የመሓላልፍ’ዩ ክትብል ፕሮፌሰረ ሚርያም ገሊጻትኒ፣” ዝብል’ዩ።

 

እቲ ክሲ ብሮቡዕ 27 ጥሪ 2016 ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቀረበሉ እዋን’ውን፣ ነቲ ኩነታት ንምክትታል ካብ ወገን ደገፍቲ ህግደፍን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ኤርትራውያንን ከምኡ’ውን ጋዜጠኛታትን ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝተረኽቡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

መስርሕ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን’ውን ክቕጽል’ዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ 10 ለካቲት 2016 ናይ ጽሑፍ ውሳኔ ክህብ ትጽቢት ኣሎ።

ፕሮፌሰር ሚርያም ቫን ረይሰን ሓንቲ ካብቶም ኤውሮጳውያን መሓዙት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስያዊ ለውጢን ኮይና፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምጉላሕ ብእትገብሮ ሓያል ምንቕስቓስ ካብ ደገፍቲ ህግደፍ ምፍርራሕ ክመጻ ምጽንሑ’ያ ትጠቕስ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0