ካርቱም ምስ ጁባ ዓጽያቶ ዝጸንሐት ዶብ ከፊታ

ካርቱም ምስ ጁባ ዓጽያቶ ዝጸንሐት ዶብ ከፊታ

Radio Erena: 29 January 2016

juba kart

ሱዳን ካብ ምእዋጅ ናጽነት ደቡብ ሱዳን ኣትሒዛ ዓጽያቶ ዝጸንሐት ዶብ ብወግዒ ከፊታቶ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ነቲ ምስ ምቛም ሓዳስ ሃገር ደቡብ ሱዳን ካብ 2011 ኣትሒዙ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶብ ካርቱም ጁባን ክኽፈት ዝኣዘዘሉ ምኽንያት፣ ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝህሉ ቁጠባዊ ምትእስሳር ርሒብ ኣፍደገ ንምኽፋት’ዩ።

ደቡብ ሱዳን ንምኽፋት እቲ ዶብ ብሓገዝ ከዝቕበሎ ዝገለጸ ኣፈኛ መንግስቲ ካብ ጁባ፣ እቲ ስጉምቲ ኣብ መንጎ’ዘን ጎረባብቲ ሃገራት ንዘሎ ቁጠባዊ ምትእስሳር ከምዘዕብዮ ኣገንዚቡ።

 

ምስ ምእዋጅ ናጽነት ደቡብ ሱዳን፣ መንግስታት ካርቱምን ጁባን ተቓወምቲ ብምዕጣቕ ንሓድሕደኦም ክካሰሱ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

ብሰንኩ ድማ ፕርዚደንት ኣልበሽር ምስ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ዶባት ክዕጾ ከምዝኣዘዘ ኣይርሳዕን።

ይኹን’ምበር ብመንገዲ ዶብ እዘን ሃገራት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣቑሑን ሰባትን ዝውቱር ምዃኑ ይፍለጥ።

ደቡብ ሱዳን ናጽነታ ድሕሪ ምእዋጃ፣ ሱዳን ሰለስተ ርብዒ ናይቲ ካብ ነዳዲ ዝርከብ ኣታዊ ከምዝኣሰነቶ’ዩ ዝግለጽ።

ደቡብ ሱዳን ከኣ ንሰደድ እትልእኮ ነዳዲ፣ ዶባት ክልትኤን ሃገራት ብዝስንጥቕ ሻምብቆታት ኣቢሉ ብመንገዲ ወደብ ሱዳን’ያ እትጥቐም ዘላ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0