ሓይልታት ጽጥታ ኢትዮጵያ፣ ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ዝተወልዐሉ እዋን ኣስታት 400 ሰባት ከምዝቀተሉ ሁማን ራይትስ ዎች ገሊጹ

ሓይልታት ጽጥታ ኢትዮጵያ፣ ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ዝተወልዐሉ እዋን ኣስታት 400 ሰባት ከምዝቀተሉ ሁማን ራይትስ ዎች ገሊጹ

Radio Erena: 17 June 2016

Or pro

ካብ ወርሒ ሕዳር 2015 ኣትሒዙ ኣብ ክልል ኦሮሞ ኣብ ዝተወልዐ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ልዕሊ 400 ሰባት ከምዝቐተሉ ሁማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

ኣቲ ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ትማሊ 16 ሰነ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ኣብታ ሃገር 10ታት ኣሽሓት’ውን ከምዝተኣስሩ ኣማልኪቱ።

እቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ሓድሽ ማስተርፕላን ንምቅዋም ብተማሃሮ ዝተወልዐ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ናብ ሓረስቶትን ካልኦት ኣካላት ብሄረ ኦሮሞን ከምዝልሐመ ዘዘኻኸረ ጸብጻብ ሁማን ራይትስ ዎች፣ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ንምህድኡ ካብ ዓቕን ንላዕሊ ሓይሊ ምጥቃሙ ወቒሱ።

 

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ተቓውሞ ናብ ዘካይድ ዝነበረ ህዝቢ ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዝርከብዎም መብዛሕቶም ተማሃሮ ከምዝተቐትሉው ጠቒሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ናይ ተቓውም እዋን ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተለ ዘተሓሳሰበት ወኪል ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣፍሪቃ ለስሊ ሌፍኮው፣ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የትእትዎም ዘሎ ሰልፈኛታት’ውን ክፈትሖም ጸዊዓ።

ብዛዕባ’ቲ ኣብ ክልል ኦርምያ ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጉምቲ ዘጻሪ ናጻ ኣካል ክቐውም’ውን ተላብያ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ብዝተፈላለዩ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝቀረብሉ ዘሎ ክሲ ብምንጻግ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ግቡእ ግብረ መልሲ ከምዝወሰዱ’ዩ ዝገልጽ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0