ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ካብ መዓስከራት ዝሃደሙ ንዝበልዎም ኤርትራውያን፣ ኣብ ጎንደርን ኣዲስ ኣበባን ምግፋፍ ይቕጽሉ ኣለዉ

Radio Erena: 14 December 2020

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ካብ መዓስከራት ትግራይ ዝሃደሙ’ዮም ንዝበልዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ከተማታት ጎንደርን ኣዲስ ኣበባን ምግፋፍ ይቅጽሉዎ ኣለዉ።

ዛጊት ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ካብ ኣዲስ ኣበባን ጎንደርን፣ በቶም ሓይልታት ጸጥታ ተታሒዞም ናብ ክልል ትግራይ ተመሊሶም ኣለዉ።

“ክልል ትግራይ ኣብዚ እዋን’ዚ ተረጋጊኡ’ዩ” ዝበለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እቶም ሰኣን እኹል ሓበሬታ ተበታቲኖም ዝበሎም ስደተኛታት ናብ መዓስከራቶም ክምለሱን እቶም ዘይወጹ ድማ ኣብ ዘለውዎ ክጸንሑ’ዩ ጸዊዑ።

እንተኾነ ኣብቲ መዓስከራት ብሰንኪ ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ዝጸንሑ ኣሽሓት ኤርትራውያን ፈቐድኡ ተበታቲኖም ይርከቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ሓይልታት ጸጥትኡ ብምውፋር፣ ኣብ ከተማታት ጎንደርን ኣዲስ ኣበባን ይሃድኖም ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከባ መዓስከራት ዝኾነ ርክብ ዘይብሉ ሕቡራት ሃገራት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘካይዶ ዘሎ ግፋን ግዱድ ምምላስ ናብ ትግራይን ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ብተወሳኺ፣ ብምትሕብባር ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ትግራይ ብግዴታ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ዝብል ሓበሬታ፣ ከረጋግጾ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ግና ኣሻቓሊ ምዃኑ ጠቒሱ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0