ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ዶባት ተመያይጠን

Radio Erena: 14 December 2020

ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ዶባትን ዋሕዚ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይን ብዝምልከት ተመያይጠን።

ክልቴን ሃገራት ነዚ ምይይጥ ዘካየዳ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝመርሖ ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ ሱዳን፣ ትማሊ 13 ሕዳር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምብጻሕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዘካየዶ ርክብ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሱዳን ከባቢ ሓምዳይት፣ ሓሻባን ኣል ራኩባን ተዓቝቦም ካብ ዘለዉ ኢትይጵያ ስደተኛታት፣ ብገበን ዝሕተቱ ከምዘለዉ’ዩ ዝወቕስ።

ኵናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ልዕሊ ሓደ ወርሑ፣ ዛጊት መብዛሕቶም ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ኣስታት 50 ሽሕ ኢትዮጵያን ናብ ሱዳን ብምስጋር ዑቕባ ሓቲቶም ኣለዉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0