‘ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ፣ ዘርኢ ምስ ምጽናት ዝጽብጸበ ገበናት ፈጺሞም።’

Radio Erena: 06 April 2022

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ፣ ዘርኢ ምስ ምጽናት ክጽብጸብ ዝኽእል ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸሙ፣ ንእዋናዊ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሁማን ራይትስ ዎችን ብምጥቃስ፣ ዘ ኣፍሪካ ሪፖርት ኣቃሊሑ።

ካብ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣብ ዝተወልዐ ኵናት ትግራይ፣ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ጥራይ ዘይኮኑ፣ መሻርኽቶም’ውን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸሙ ‘ዩ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።

ተወላዶ ትግራይ፣ ግዳያት ጃምላዊ መቕተልቲ፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ዝምታ ንብረትን ካልእ ግፍዕታትን ከምዝኾኑ ዘተሓሳሰበ እቲ ጸብጻብ፣ ካብ ምዕራብ ትግራይ ብሓይሊ ከምዝተሰጎጕ ኣመልኪቱ።

እዘን ክልተ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ኣዋርሕ፣ ግዳያት ዝርከብዎም ልዕሊ 400 ሰባት ብምዝርራብ ‘የን ነዚ ጸብጻብ ኣዳልየንኦ።

ኣብ ትግራይ፣ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ብዝፈጸምዎ ዝተወሃሃደ መጥቃዕታት፣ ተወላዶ ትግራይ፣ ግዳያት ዘስካሕክሕ ቅትለት፣ ዓመጽን ስንክልናን ስደትን ከምዝኾኑ ብተደጋጋሚ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ፣ ሚሊሻታት ኣምሓራ ዝፈጸምዎ ገበናት ምስ ዘርኢ ምጽናት ክጽብጸብ ከምዝኽእል ዝጠቕሱ ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ስብኣዊ መሰላት፣ ብናጻ ኣህጉራዊ ኣካል ክጻረ ይጽውዑ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0