ሓይልታት ትግራይ፣ ካብ 65% ናይ ውግእ ከባቢታት ከምዝሰሓቡ ዋና ኣዛዚ ገሊጹ

Radio Erena: 07 December 2022

ሓይልታት ትግራይ ዓሪዶምሉ ካብ ዝነበሩ 65% ናይ ውግእ ከባቢታት ከምዝሰሓቡ፣ ዋና ኣዛዚ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ።

እቲ ጀነራል፣ ብ03 ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሓይልታት ትግራይ ብመሰረት እቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተብጽሐ ስምምዕ፣ ካብ ግንባራት እናሰሓቡ ናብ ዝተመደበሎም ቦታታት ይግዕዙ ምህላዎም ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ፣ ‘ሰላም ዘይደልዩ ወገናት ክፈጥርዎ ብሰንኪ ዝኽእሉ ስግኣታት’፣ ሓይልታት ትግራይ ጠቕሊሎም ካብ ኩሉ ግንባራት ከምዘይስሕቡ ኣስሚርሉ።

እቲ ጀነራል፣ ሰላም ዘይደልዩ ዝበሎም ወገናት ብዝርዝር እኳ እንተዘየነጸረ፣ ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ጠቕሊሎም ክወጽኡ ሰበ ስልጣን ትግራይ ብተደጋጋሚ ይጽውዑ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ሰሜናዊ ትግራይ ካብ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ከምዝሰሓበ ዝግለጹ ምንጭታት፣ ኣብ ከባቢ ዶባት ኣብ ዝርከባ ዓድታት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ጠቕሊሉ ከምዘይወጸ የረድኡ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0