‘ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ጀርመን፣ ብናይ ካራ መጥቃዕቲ ጓል 14 ዓመት ቆልዓ ቀቲሉ ካልኣይቲ ድማ ብኸቢድ ኣቝሲሉ።’ ፖሊስ

Radio Erena: 05 December 2022

ኣብ ደቡባዊ ጀርመን፣ ኣብ ጎደና ብዝተፈጸመ ናይ ካራ መጥቓዕቲ፣ ጓል 14 ዓመት ቆልዓ ክትቕተል እንከላ ጓል 13 ዓመት ድማ ብጽኑዕ ቆሲላ ከምዘላ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ሎሚ ሰኑይ፣ 05 ታሕሳስ፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ፣ ኢለሪክበርግ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ካራ ብዝሓዘ መንእሰያ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ፣ ናብ ትምህርቲ ንዝኸዳ ዝነበራ ተማሃሮ ‘ዩ ዒላማ ጌሩ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ መንእሰያ፣ ወዲ 27 ዓመት ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ምዃኑ መደበራት ዜና ጀርመን ንፖሊስ ብምጥቃስ ኣመልኪተን።

እቲ መንእሰያት ነቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ናብ መዕቆብ ስደተኛታት ከምዝተመልሰ ዝሓበረ ፖሊስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ምህላዉ ኣረጋጊጹ።

ፖሊስ ጀርመን ብተወሳኺ፣ እቲ መንእሰይ፣ ነተን ቆልዑ ዝወግኣሉ ካራ፣ ካብቲ ግዝያዊ መዕቖቢ ሒዝዎ ናብ ጎደና ከምዝወጸን፣ ኣብ ዝተታሕዝሉ እዋን ድማ ኣብ ኢዱ ከምዝጸንሐን ኣፍሊጡ።

ምስኡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን’ውን ምጽራይ ይካየደሎም ኣሎ።

መንነት ናይተን ግዳያት ዛጊት ኣይተሓበረን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0