ሓይልታት ትግራይ፣ መጥቃዕታቶም ናብ ክልላት ዓፈርን ኣምሓራን የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 22 July 2021

ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ክልል ዓፈር ዓስኪሩ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን ዝጀመርዎ መጥቃዕቲ ይቕጽል ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ዓለም ገሊጸን።

እቶም ሓይልታት፣ ሓያሎ ከባቢታት ክልል ዓፈር ከምዝተቖጻጸሩ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፣ ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ፣ ናብ ትግራይ ዝጋረት ብዝሒ ወትሃደራዊ ሓይሊ ንምድኻምን፣ ትንፋስ ኢትዮጵያ ንዝኾነ መስመር ወደብ ጂቡቲን ኢትዮጵያን ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕን ክኸውን ከምዝኽእል ይትንተን።

ካብ ሓያሎ ክልላታ ሃገር ዝተኣኻኸቡ ፍሉያት ሓይልታት፣ ናብ ኵናት ትግራይ ዘዝምት ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓይልታት ትግራይ ብሸነኽ ክልል ዓፈር መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ እንተዝዘይኮይኑ፣ በጺሕዎ ዘሎ ወትሃደራዊ ምዕባለታት ኣየነጸረን።

ኣብ ትግራይ ጥራይ ተሓጺሩ ዝነበረ ኵናት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ይሳግም ምህላዉ ዘመልክቱ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ፍታሕ እንተዘይረኺብሉ፣ ነታ ድሮ ኣብ ናይ ብሄር ግጭታት ተሸሚማ እትርከብ ሃገር፣ ናብ ምሉእ ኵናት ክሸማ ከምዝኽእል የጠንቕቑ።

ሓይልታት ትግራይ፣ ምስ ሱዳን ዘራኽቦም መስመር ንምኽፋት፣ ብምዕራብ ንሑመራ ከጥቅዑ’ዮም ዝብል ዝልዓለ ወትሃደራዊ ትንታነታት ክወሃበሉ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ እቲ መጥቃዕቲ ብዝያዳ፣ ናብ ክልል ኣምሓራ፣ ከባቢ ወልድያን ክልል ዓፈርን ዛዝዩ ዝርከብ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0