ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ፣ 20 ጸረ ታንኪ ሚሳይላትን ልዕሊ 3 ሽሕ ጠበናጁን ዝጸዓነት ጃልባ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ሒዙ

Radio Erena: 02 February 2023

ኣብ ሓለዋ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ተዋፊሩ ዝርከብ፣ ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ፈረንሳ፣ 20 ጸረ ታንኪ ሚሳይላት፣ ልዕሊ 3 ሽሕ ጠበናጁን ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ጠያይትን ዝጽዓነት ጃልባ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

እታ ካብ ኢራን ከምዝተበገሰት ዝተጠርጠረት ጃልባ፣ ናብ የመን ተቕንዕ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፣ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ተኸታቲሉ፣ ብ15 ጥሪ ክሕዛ ከምዝኽኣለ ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

እቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ይንቀሳቐስ ምንባሩ ዝተሓበረ ኣጽዋር፣ መንግስቲ የመን ናብ ሑቲ ዝልኣኾ ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ተገሚቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፣ ተመሳሳሊ ብዝሒ ዘለዎ ጠበናጁን ተተኮስትን ከምኡ ድማ ሮኬታት ንምስራሕ ዝሕግዝ ልዕሊ 70 ቶን ተባራዒ ባእታ ዝጸዓና ክልተ ጀላቡ ምሓዙ ይዝከር።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0