ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት፣ ልዕሊ 1000 ሰባት ብሞት ቀጺዓ

Radio Erena: 02 February 2023

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ብሞት ናይ እትቐጽዖም ብዝሒ ሰባት፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት 147 ከምዝበጽሐ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

እቲ ኣገልግሎት ዜና ንዝኣከቦ ሰነዳት ምርኵስ ብምግባር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብታ ሃገር፣ ምስ ምምጻእ ንጉስ ሳልማን ኣብ 2015፣ ብሞት ናይ እትቐጽዖም ብዝሒ ሰባት ዓመታዊ ክውስኽ ምጽንሑ ኣመልኪቱ።

ካብ 2010 ክሳብ 2014፣ ኣብታ ሃገር ብገምጋም ካብ 70 ክሳብ 75 ሰባት ብሞት ይቕጽዑ ምንባሮም ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፣ ኣብ 2015 ግና ናብ ልዕሊ 129 ከምዝዓረገ ኣገንዚቡ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፣ 2022 ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ እታ ዝበዝሐ መቕጻዕቲ ሞት ዝተመዝገበላ ዓመት’ያ።

ኣብታ ዓመት፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራይ፣ ኣብ ሓደ መዓልቲ 81 ሰባት ብሞት ከምዝቐጽዐት ይዝከር።

ስዑዲ ዓረብ፣ ናይ ሞት መቐጻዕቲ ካብ ዘለወን፣ ከም ኣመሪካ፣ ኢራን፣ ቻይናን ሰሜን ኮርያን ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ቀዳማይ ደረጃ’ያ ሒዛ ትርከብ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0