ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ፣ ናብ ሶማል ተመርሕ ኔራ ዝበላ ኣጽዋር ዝጸዓነት መርከብ  ሒዙ

ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ፣ ናብ ሶማል ተመርሕ ኔራ ዝበላ ኣጽዋር ዝጸዓነት መርከብ ሒዙ

Radio Erena: 31 March 2016

French Arm

ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ፣ ናብ ሶማል ተመርሕ ኔራ ዝበላ ኣጽዋር ዝጸዓነት መርከብ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

እታ ኣብ ሰሜናዊ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝተታሕዘን መርከብ፣ ጸረ ታንኪ፣ ዶሽካን ካልእ ዓይነት ጠበናጁን ዘጠቓለለ ኣጽዋር ጽዒና ምንባራ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ፈለማ ዕለታት ናይዚ ወርሒ’ዚ፣ ናብ ሶማል እተምርሕ ዝነበረት፣ ኣስታት 1900 ካላሺንኮቭ ዝዓይነቱ ጠበናጁ ሞርታራትን ላዊንቸራትን ዝርከቦ ኣጽዋር ዝጸዓነት መርከብ ብሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ ከምዝተታሕዘ ኣይርሳዕን።

 

ዋንነት ናይዘን ናብ ሶማል የምርሓ ከምዝነበራ ዝተሓበራ መራኽብ ይኹን እቲ ኣጽዋር ዝተሸመተሉ ሃገራት ኣይተሓበረን።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ልዕሊ ሶማል ካብ 1991 ኣትሒዙ ብዘንበሮ ናይ ኣጽዋር እገዳ፣ ብሸመታ ይኹን ብሓገዝ ናብታ ሃገር ኣጽዋር ክኣቱ ኣይፍቀድን።

እዘን ኣብ ውሽጥ ሓደ ወርሒ፣ ኣብ ሓለዋ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሓይልታት ባሕሪ ኣውስትራልያን ፈረንሳ ዝተታሕዛ ክልተ መራክብ፣ ተወሳኺ ምጽራይን መርመራን ክካየደለን ናብቲ ንሶማልን ኤርትራን ክከታተል ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ተረኪበን ኣለዋ።።

ኤርትራ’ውን ምስዚ ናይ ሶማልን ኩነታት ተሓሒዙ ካብ 2009 ንደሓር ናይ ኣጽዋር እገዳ ተነቢሩላ ምህላዉ ይፍለጥ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0