ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ፣ ንሑቲ ካብ ዓደን ንምጽራግ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት ምስ የመንን ስዑዲ ዓረብን ይተሓጋገዝ ምህላዉ ተሓቢሩ

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ፣ ንሑቲ ካብ ዓደን ንምጽራግ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት ምስ የመንን ስዑዲ ዓረብን ይተሓጋገዝ ምህላዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 20 July 2015

Navy2

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ንሑቲ ካብ ከተማ ዓደን ንምጽራጉ ብሰራዊት መንግስቲ የመንን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት ይተሓጋገዝ ምህላዉ ማዕከናት ዜና ዓረበ ይገልጻ ኣለዋ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዓደን ከተካይዶ ድሕሪ ዝጸንሐት ደብዳብ፣ ወትሃደራዊ ሓይሊ ሑቲ ተዳኺሙ’ዩ ኣብ ዝተባህለሉ እዋን፣ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቑ ሰራዊት’ቲ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን ንዝበዝሐ ክፋል እታ ከተማ ከምዝተቖጻጸሩ ይንገር።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ከተማ ሪያድ ኣብ ስደት ዝርከብ የመንግስቲ የመን፣ ዳግም ንምጥያሱ ኣባላት ካቢኔኡ ናብ ከተማ ዓደን ኣብ ዝመለስሉ ዘለዉ እዋን’ውን፣ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ተሰንዮም ናብ ዓደን ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።

 

ካብ ከተማ ሪያድ ብነፋሪት ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት የመን፣ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ተሰነዮም ናብ ዓደን ከምዝኣተዉ’ውን ሓያሎ ማዕከናት ዜና ማእከላይ ምብራቕ ንሰበ ስልጣን ስዑዲ ዓረብ እናጠቀሳ ሓቢረን።

እቲ ብመንገዲ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ምምላስ ካቢነ ሚኒስተራት የመን ክቕጽል ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ፈለማ ካብ ሰንዓ ደሓር ድማ ካብ ዓደን እናሃደመ ኣብ ሪያድ ተዓቝቡ ዝርከብ ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ገና ናብ የመን ኣይተመልሰን።

የመንን ስዑዲ ዓረብን፣ ኤርትራ ምስ ኢራን እናተሓባበረ ንተቓወምቲ ሒቲ ትድግፍ ምህላዋ ክኸሳ ምጽንሐን ዝፍለጥ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ በንጻሩ፣ ንሑቲ ዘለዎ ተቓውሞ ብምግላጽ፣ ስዑዲ ዓረብን ግብጺን ኣብቲ ጉዳይ ዕቱብ ኣቃልቦ ክገብራ ኣቐዲሙ ደብዳቤ ምልኣኹ ጋዜጣ ኣልሞኒተር ምግላጻ ይዝርከ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ወትሃደራዊ ሓይሊ ሓያሎ ሃገራት ኣብ ልዕሊ’ቶም ንሰንዓን ዓደንን ዝተቖጻጸሩ ሑቲ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ድሕሪ ምጅማሩ፣ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ምትእኽኻብ ከምዘይትድግፍ ፕርዚደንት ኢሳይያስ ምግላጹ’ውን ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ ብዘቕረበሉ ህጹጽ ጻውዒት፣ ኣብታ ሃገር ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ዘካየደ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ምስ ስዑዲ ዓረብ ግዜያዊ ስልታዊ ምርድዳእ ከምዝገበሩን፣ ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ ድማ ስዑዲ ዕእረብ ንክሊ ማይ ኤርትራ ክትጥቀመሉ ከምዝተፈቕደን ተደጋጋሚ እዋን ክጠቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ዝምድና ኤርትራ ስዑዲ ዓረብን ነዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ሓርፊፉ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብ ስነ ስርዓት ቀርብሪ ንጉስ ዓብደላ ናይ ስዑዲ ዓረብ’ውን ብምሉኦም መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ክርከቡ እንከለዉ፣ ኣብቲ ስነ ስርዓት ዘይተረኽበ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጥራይ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ድሕሪ ምጅማሩ ግና፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብህጹጽ ጻውዒት ንጉስ ሳልማን ድሕሪ ናይ 12 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምምራሕ ግዝያዊ ስለታዊ ምርድዳእ ፈጺሙ ኣሎ።

እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ብጉዳይ የመን ተኣሳሲሩ ዝተፈጸመ ስለታዊ ምርድዳእ ክልቲኤን ሃገራት ብምስጢር ክሕዝኦ ስለዝመረጻ፣ ዑደት ፕረዚደንት ናብ ስዑዲ ዓረብ ብወገን ኤርትራ ኮነ ብወገን ስዑዲ ዓረብ ሸፈነ ማዕከናት ዜና ኣይተዋህቦን።

ከተማ ዓደን ዝበዝሐ ክፋላ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ ክትወድቕ እንከላ፣ ናብ ኤርትራ ዝቐረበት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደብ ሖዴድዳ ከተማ ሰንዓን ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሑቲ’የን ዝርከባ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0