ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፤ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ስለያ ድሮን ከዋፍር እዩ

Radio Erena: 25 February 2022

ሓይሊ ባሕሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፤ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ዝዋፈራ 100 ሰብ ኣልቦ ናይ ስለያ ነፈርቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከዋፍር ምኻኑ ኣፍሊጡ።

ምኽትል ኣድሚራል ብራድ ኩፐር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፤ ካብ ወሽመጥ ዓደን ጀሚሩ፤ ንምሉእ ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሩ ክሳብ መትረብ ስወጽ ናይ ግብጺ፤ ንዝካየድ ናይ ባሕሪ ንጥፈታት ክከታተላን ሓበሬታ ከመሓላልፋን ከምዝኾና ኣመልኪቱ።

ቀንዲ ዕላማ’ተን ናይ ስለያ ነፈርቲ፤ ብመስመር ቀይሕ ባሕሪ ንዝካየድ ንግዳዊ መስመር ናይ ነዳዲ ንምክትታል ምዃኑ’ኳ ይግለጽ እንተሎ፤ ኣብ መንጎ ኢራንን ሃገራት ምዕራብን ዝተኻየደ ኑክሌራዊ ዘተ፤ ፍረ ብዘይምምጽኡ፤ ኣብ ሰበስልጣን ኣመሪካ ሻቕሎት ስለዝፈጠረ ምዃኑ ትንተና ይወሃቦ።

ምኽትል ኣድሚራል ብራድ ኩፐር ኣብ መግለጺኡ፤ናይ ድሮን ስለያ ክካየድ ዝተመርጸሉ ምኽንያት፤ ስሉጥን ጽጹይን ሓበሬታ ብምእካብ፤ ኣድላዪ ስጉምቲ ንምውሳድ ከኽእል ንምሕጋዝ’ዩ ክብል ገሊጹ።

እዚ ኣብ ባሕሬን ካብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ክእዘዝ ምዃኑ ዝሕበር ዘሎ ናይ ስለያ መደብ፤ ኣብ ክራማት ናይ 2023 ዓመተ ምህረት ክጅምር እዩ።

ኣመሪካ ቅርሰና መራኽብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ንምቁጽጻር ብዝብል ኣብ ጂቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ምስ ኢራን ዘለዋ ናይ ኑክሌር ምትፍናን ንምቁጽጻር፤ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ ህላዌኣ እንተስፊሓ ግና፤ ነቲ ብኲናት ዝሕመስ ዘሎ ዞባ፤ ተወሳኺ ቅልውላው ክፈጥረሉ ከምዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ ግምታቶም ይህቡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0