‘መንግስቲ ኣብ ስራሕና ምትእትታው ዝገብር እንተኾይኑ፣ ስልጣነይ ክገድፍ እየ፣’ ሓድሽ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ዘተን ዕርቂን ኢትዮጵያ

Radio Erena: 24 February 2022

መንግስቲ ኣብ ስራሕና ምትእትታው ዝገብር እንተኾይኑ፣ ስልጣነይ ክገድፍ እየ፣ ክብል ሓድሽ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ዘተን ዕርቂን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ፕሮፈሰር መስፍን ኣርኣያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ነዚ መዝነት’ዚ ዝሃበኒ ህዝቢ እምበር መንግስቲ ኣይኮነን፣ ስለዚ ተጸዋዕነተይ ንህዝቢ ደኣምበር ንመንግስቲ ኣይኮነን፣ ኢሉ።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ብሰኑይ 21 ለካቲት፣ 11 ዝኣባላታ፣ ንሃገራዊ ዘተ እትመርሕ ኮሚሽን ምቛሙ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመኪቱ።
ኣቦ ወንበር ናይታ ኮሚሽን ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣብ መግለጺኡ፣ ጉዳይ ፖለቲካ ካብ ጉዳይ ሃገር ስለዘይዓብይ፣ ንሃገራዊ ዘተ እትመርሕ ኮሚሽን ጸግዒ ዝኾነ ወገን ከይኮነት፣ ንኩሉ ብሓባር ከተሳትፍ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንክዛተይ ቅሩብ ከምዘሎ ኣብ ዝገለጸሉ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እያ፣ እታ ኮሚሽን ብወግዒ ትቐውም ዘላ።
ኣብቲ ኣኼባ፣ ወሃብ ቃል ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ እታ ንሃገራዊ ዘተ እትመርሕ ኮሚሽን፣ ንዓቕሚ ሰብ፣ ቤት ጽሕፈታትን ፋይናንስያዊ ባጀታን ብዝምልከት ብዝቐልጠፈ ክዳለወላ ምዃኑ ገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ሽበራዊ ጉጅለ ሰዪሙዎ ዘሎ ህወሓት፣ ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ ክሳተፍ ብዘይምዃኑ፣ እቲ ሃገራዊ ዕርቂ ከይተበገሰ ዝበርዓነ’ዩ ዝብል ትንታነታት ብዝተፈላለዩ ወገናት ይወሃብ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0