ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱሳ ልዕሊ 400 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣድሒኑ

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱሳ ልዕሊ 400 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣድሒኑ

Radio Erena: February 17, 2014

Imm Lampe

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሲሲልያን ላምፔዱሳን ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 400 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዘድሓኑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም 15 ቆልዑ ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ኣብ ክልተ ጃልባ ዝተጻዕኑ ኮይኖም፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ብመራኽብን ሄሊኮፕተራትን ጌሩ ከምዘድሓኖም’ዩ ገሊጹ።

ብዋሕዚ ስደተኛታት እተማርር ዘላ ኢጣልያ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ጥቕምቲ 2013 ዘጋጠመ ህልቂት ኣስታት 350 ኤርትራውያን፣ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከየጋጥም፣ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ብምውፋር ህወይት ናይ ምድሓን ስርሒት ተካይድ ምህላዋ ይፍለጥ።

 

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 1500 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዘድሓነት’ውን ጸብጻባት ኣታ ሃገር የመልክት።
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0