ኣብ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ዝእከብሉ ከባቢ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰለስተ ስደተኛታት ብኻራ ተሃሪሞም

ኣብ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ዝእከብሉ ከባቢ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰለስተ ስደተኛታት ብኻራ ተሃሪሞም

Radio Erena: February 17, 2014

eri Tel bus

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ብብዝሒ ኣብ ዝውዕልሉ፣ ብእንዳኣውኦቡስ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ቴሊኣቪቭ፣ ሰለስተ ሰባት መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ብኻራ ከምዝተሃርሙ ጆርሳሌም ፖስት ሓቢሩ።

እቶም ብኻራ ተሃሪሞም ዘለዉ ሰለስተ ሰባት ስደተኛታት ምዃኖም እኳ እንተተሓበረ፣ ዜጋታት ኣየነይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃኖም ኣይተነጸረን።

 

ኣቐዲሙ፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዝሓደሮ ሓደ እስራኤል፣ ኣብ ሕቖፎ ኣዲኡ ንዝበነረ ኤርራዊ ህጻን ብኻራ ሃሪሙ ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደሉ ይዝከር።

ብዘይካ’ዚውን፣ ሓደ እሳራኤላዊ ንሓደ ኤርትራዊ ኣብ ማእከል ጎደና ብግፍዒ እናሃረኦም ዘርኢ ቪድዮ ብማዕከናት ዜና እታ ሃገር ክዝረበሉ ምቕናዩ ይፍለጥ።

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎም እስራኤላውያን፣ ብግሁድን ብስዉርን ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ከቢድ ግፍዕታት ክፍጽሙ ምጽንሖም ብተደጋጋሚ ክግለጸ ጸኒሑ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0