ሓሙሽተ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ፣ ብመሸጣ ወትሃደራዊ ንዋት ተቐይዶም

ሓሙሽተ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ፣ ብመሸጣ ወትሃደራዊ ንዋት ተቐይዶም

Radio Erena: 07 June 2016

Ami

ሓሙሽተ ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ፣ ብመሸጣ ወትሃደራዊ ንዋት ተጠርጢሮም ብ5 ሰነ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

እቶም ኣባላት ናይቲ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ዝኾኑ ሓሙሽተ ወትሃደራት ምስ 10 ካልኦት ሶማላውያን ብምዃን ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ንዋት ኣብ ንምሻጥ ኣብ ዝተዳለውሉ እዋን’ዩ ተታሒዞም።

ኣዛዚ ፖሊስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል መሓመድ ሸሕ ሓሰን ሓሙድ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነቶም ኣብ ቀይይዲ ኣትዮም ዘለዉ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ክከታተልዎም ከምዝጸንሑ ብምጥቃስ ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ዝሽየጥ ወትሃደራዊ ንዋት ኣብ ኢዶም እናሃለወ ብምረትዖ ከምዝሓዝዎም ኣረጋጊጹ።

 

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ 15 ሰባት ኣብ ሞቛድሾ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቀርቡ’ዮም።

ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ብዛዕባ’ዚ ብፖሊስ ሶማል ቀሪቡ ዘሎ ሓበሬታ ብዝምልከት መግለጺ ኣይሃበሉን።

ካብ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ብሩንዲ፣ ኬንያን ጅቡትን ዝተዋጽአ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ሶማል ካብ ዝዋፈር ትሽዓተ ዓመቱ ኣቝጺሩ፣ ኣባላቱ ብመሸጣ ወትሃደራዊ ንዋት ክቕየዱ እዚ ናይ ፈለማ’ዩ።

ሶማል ካብ 1991 ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊኣ ናይ ኣጽራው መሸጣ እገዳ ተነቢሩላ እኳ እንተሎ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብኮንትሮባንዳ ዝኣትዉ ኣጽዋር ግና ማእለያ የብሉን።

መንግስቲ ኤርትራው’ውን ምስዚ ብኮንትሮባንድን ካልእን ናብ ሶማል ዝኣቱ ኣጽዋር ብዝተሓሓዝ ካብ 2009 ንደሓር ብባይቶ ጸጥታ እገዳ ከምዝተነብረሉ ይፍለጥ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0